ኣምላኽ ሰማይ


1) ኣሽሕ ኣእላፍ መላእኽትኻ
ይሰግዱ’ለው ኣብ እግርኻ
ስልጣንን ሓይልን ናትካ’ዩ ግርማን ክብርን እንዳበሉ
ንሕና’ውን ኣብዛ ምድሪ ሰለዘይብልካ መሳሊ
ነምልኸካ ተቃኒና ንባርከካ ደው ኢልና

ኣዝ፡ *ኣምላኽ ሰማይ ንጉስ ኩላ ምድሪ (2)
ስምካ ይባረኽ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪ (2)

2) ግዝኣትካ ወሰን የብሉን
ዕብየትካ ደረት የብሉን
እታ መንግስትኻስ ሕያው'ያ ዘይትነቃነቅ’ውን እያ
ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ የሎን ቦታካ ዝትክኦ
ዙፋንካ ንዘለኣለም ጸኒዑ ይነብር ኣሎ

3) ኣታ ንፈትወካ ፍትውና ንባርኽካ ኣሎና
ስምካ ምምስጋን ክብርና ንሱ’ዩ ዓቢ ሓጐስና
ስለዚ ስቕ ኣይንብልን ምምስጋን ኣይነቋርጽን
ከቢርካ ክንርኢ ከሎና ብእኡ ይዓግብ ሂወትና